ቱሊማ ሙዚቃ ትፈቱ እያ። ኩሉ መዓልቲ እያ ትሰምዕ።
トゥリマは音楽が大好き。 毎日音楽を聴いています。
መሓዙታ ካርሎስን ኣኒታን እውን ሙዚቃ ይፈትዉ እዮም።
友人のカルロスとアニタも音楽が好きです。
“ቱሊማ እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ትፈቱ?” ኢሉ ካርሎስ ይሓትት።
カルロスが、「トゥリマはどんな音楽が好き?」と尋ねます。
“ናይ ምዕራባውያን ሙዚቃ ደስ ይብለኒ ‘ዩ ይኹን እምበር ናይ ሃገረይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ እየ ዝመርጽ።”
「私は洋楽が好きだけど、私の国、エチオピアの音楽の方が好きよ」
“ካብ ኮሎምብያ እየ መጺአ። ሳልሳ ጥራይ እየ ዝሰምዕ። ንሳዕስዒት ደስ ዝብል ‘ዩ” ካርሎስ ይብል።
「僕はコロンビアから来たんだ。 サルサばかり聴いてるよ。サルサはダンスにぴったりなんだ」
カルロスはこう言いました。
ኣኒታ ከዓ “ናይ ፍቕሪ ደርፍታትን ዘሐጉሰኒ ሙዚቃን እየ ዝፈቱ” ትብል።
アニタは、「私はロマンチックな歌と、幸せな気分にしてくれる曲が好き」と答えます。