ቶም ሕማም ስኒ ኣለዎ። ስኑ ኣዝዩ እዩ ዘቀንዝዎ።
トムは歯が痛いです。歯がとても痛みます。
ናብ ሓኪም ስኒ ክኸይድ ኣለዎ። መጀመርታ ግን ንቃንዛ ዝኸውን ገለ ነገር ከድልዮ እዩ።
歯医者に行った方がいいです。しかし、まず、痛み止めが要ります。
ብመኪና ናብቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ ፋርማሲ ይኸይድ።
一番近い薬局に運転して行きます。
“ቃንዛ ስኒ ኣለኒ” ይብል። “ነዚ ዝኸውን ገለ ነገር ኣለኩም ዶ?”
「すみません。歯が痛いんです」と言います。「何か痛みに効くものありますか?」
“እወ ገለ መቐነሲ ቃንዛ ኣሎ። ነዚ ሓኪም መአዘዚ ኣየድልየካን እዩ።”
「はい、この痛み止めはいかがですか。これは処方箋(せん)が要りませんよ」
“ዋግኡ ትሽዓተ ዩሮ እዩ። ግን ናብ ሓኪም ስኒ ክትከይድ ኣለካ።”
「9ユーロです。でも、歯医者に診てもらった方がいいですよ」
“ሕራይ! ጽባሕ ንግሆ ናይ ስኒ ሓኪመይ ክድውለሉ እየ።”
「そうですね。明日の朝、歯医者に電話します」
“ዝሓየለ መድሓኒት እንተድኣ ኣድልዩካ ካብ ሓኪም ስኒኻ ወይ ሓኪምካ ትእዛዝ ክትወስድ ኣለካ።”
「もし、もっと強い薬が要るなら、歯医者か医者の処方箋(せん)が必要です」