Ladda ner PDF
Tillbaka till listan med berättelser

ኣረጊት ሰብኣይ ከም በዓል ቤት

Skriven av Aranya

Illustrerad av Sunniva Høiby-Øiset

Översatt av Seyum

Uppläst av Loza Asgedom

Språk tigrinska

Nivå Nivå 5

Läs hela berättelsen

Reading speed

Automatisk avspälning


ናይ ኖርዌይ ኣወዳት ኣብ ዓለም ዝበለጹ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ዝመስለኒ ነይሩ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን! ምስቲ ደሓር በዓል ቤተይ ዝኾነ ሰብኣይ ቅድሚ ምርኻበይ ኣብ ባንኮክ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ይሰርሕ ነይረ። ንሱ ድማ ኣብ ፓታያ ይነብር ነበረ። ብኢንተርኔት ኢና ተራኺብና ኣብ መወዳእትኡ ድማ መጻምድቲ ኮይንና።


ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክንምርዖ ወሰንና። ስድራይ ድኻታት ስለ ዝኾኑ ንስድራይ ክከናኸን ዝኽእል ወጻእተኛ ሰብኣይ ምምርዓው ሓደ ካብቲ ንዕኡ ዝተመርዓኩሉ ምኽንያት እዩ ነይሩ።


ናብ ኖርወይ ከድና። ኣነ ድማ ቋንቋ ኖርወይ ንምምሃር ናብ ቤት ትምህርቲ ምምላልስ ጀመርኩ። ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። መኪና መዘወሪ ፍቓድ ስለ ዘይነበረኒ በዓል ቤተይ ብመኪና ናብ ቤት ትምህርቲ ከብጽሐኒ፣ ክጽበየኒን ብመኪና ክምለስን ግድን ኮይኑ። ክንከድን ክንምለስ ሓደ ሓደ ሰዓት ይወስደልና ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቀረባ ቀይርና። ይኹን እምበር ንዓይ ብመኪና ናብ ቤት ትምህርቲ ምምልላስ ኣይገደፎን። በይነይ ክኸይድ ኣይደለየንን።


ናብ ኖርወይ ካብ ዝመጽእ ጀሚረ ምንም ገንዘብ ኣይነበረንን። ሓደ መዓልቲ በዓል ቤተይ ንምሳሕ ኢሉ ገንዘብ ሃበኒ። ኮይኑ ግና ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ስለ ዝነበረ ንኻልእ ግዜ ኢለ ኣቐሚጠዮ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ኣዕሩኽተይ ስራሕ ንኽረክብ ክሕግዙኒ ፈቲኖም ነይሮም። በዓል ቤተይ ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ናይ ፅሬት ሰራሕተኛ ኮይነ ምስራሕ ንዓይ ግቡእ ኮይኑ ኣይተሰምዖን።


ኣብ ክንድኡ ካልእ ስራሕ ኣምጽኣለይ። ጋራጅ ምስራሕ። ንሱ ሓላፊ እዩ ነይሩ ኣነ ድማ ኩሉ እየ ዝገብር ነይረ። ስለ ዝሓመመ ብዙሕ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ካብቲ ካብ ጋራጅ ዝረኸቦ ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ኣይሃበንን።


ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛ በይነይ ምዃን ስለ ዝሰልቸወኒ ከልቢ ክህልወና ኣለዎ ኢሉ ወሰነ። ድሕሪ ትምህርቲ ደኺመ ስለ ዝነበርኩን ዕዮ ገዛ ስለ ዝነበረንን ከልቢ ኣይደለኹን። መዓልታዊ ነቲ ከልቢ ናብ ደገ ከናፍሶ እየ ኢሉኒ። ኮይኑ ግን ንኽልቲኦም ማለት ‘ውን ነቲ ከልብን ነቲ ኣረጊት በዓል ቤተይን ክከናኸኖ ግድን ነበረ።


ኣብ ቐጻሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን እየ። መደበይ ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ምምሃር እዩ። በዓል ቤተይ ግን እዚ ክገብር ኣይደልን እዩ። ኣነ ምእንታን ክጽግመኒ ኢሉ ዝያዳ ርሒቑ ክኸይድ መደብ ኣለዎ። ነዚ ሓሳብ ክቃወም እደሊ እየ ኮይኑ ግን ብኸመይ መንገዲ ኣይፈልጥን። ኣብ ዓዲ ጓና ኣረጊት ሰብኣይ ከም በዓል ቤትካ ገይርካ ምንባር ከምቲ ዝሓሰብክዎ ቀሊል ኣይኮነን።


Skriven av: Aranya
Illustrerad av: Sunniva Høiby-Øiset
Översatt av: Seyum
Uppläst av: Loza Asgedom
Språk: tigrinska
Nivå: Nivå 5
Creative Commons Licens
Detta verk är licensierat under en Creative Commons Erkännande 4.0 Internationell Licens.
Valmöjligheter
Tillbaka till listan med berättelser Ladda ner PDF