ዩልያን በዓል ቤታን ንእሽቶ ጓሎምን ኣብ ዩክሬን ኣብ እትርከብ ንእሽቶን ጽምው ዝበለትን ገጠር ይነብሩ ነበሩ። ዩልያ ንግሆ ንግሆ ብድምጺ ኣዕዋፍ ክትበራበር ትፈቱ ነበረት። ብዛዕባ ካብ ገዛ ርሒቓ ምንባር ወይ እውን ንግሆ ብድምጺ ኣዕዋፍ ብዛዕባ ክትበራበር ዘይምኽኣል ሓሲባ ኣይትፈልጥን።
በዓል ቤታ እኹል ገንዘብ ስለዘይብሉ ኩሉ ግዜ የማርር ነበረ ሽዑ ብዙሕ መስተ ክሰቲ ጀመረ። ኣብ ፖርቱጋል ዕድሎም ክፍትኑ ወሲኖም። ምናልባት ኣብ ፖርቱጋል ዝያዳ ኣታዊ ገንዘብ ብምርካብ ገዛ ሰሪሖም ንስድራቤቶም ዝሓሸ መጻኢ ክገብሩ ይኽእሉ ይኾኑ።
ዩልያ ምስቲ ሓድሽ ገዝኣ ጽቡቕ ጌራ ስለ ዝተላመደት ከም ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ኮይና ክትሰርሕ ጀመረት። ዓማዊላ ነቲ ጻዕራን ጭዋ ጸባያን ብሓቂ ኣድኒቖምዎ እዮም። በዓል ቤታ ግና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሸለል ከም ዝበለቶ ኮይኑ ይስምዖ ነበረ። ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ መስተ ናይ ምስታይ ጸገም ኣስራሕቲ ኣይኣምንዎን እዮም ነይሮም ስራሕ እውን ክህብዎ ኣይከኣሉን።
ሓደ መዓልቲ ንዩልያ ክኹርየላ ጀመረ። ቀጺሉ ‘ውን ደፍኣ። እቲ ኩራን መግረፍትን ብፍላይ ምስ ሰኸረ እናገደደ ከደ። ዩልያ ንርእሳን ንጓላን ትፈርሕ ነበረት። ይኹን እምበር እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ሓሳብ ኣይነበራን።
ኣብ መወዳእታ ዩልያ ቅልጽም ኢዳ ተሰቢራ ናብቲ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከይድ ምስ ተገደደት። ኣብ ፖርቱጋል ዘቤታዊ ዓመጽ ዓቢ ጸገም ምዃኑ ነገሩዋ። እዚ ገበን ስለዝኾነ ድማ ንፖሊስ ክትሕብር ከምዘለዋ እውን ገሊፆምላ።
ዩልያ ተዳኺማ ስለ ዝነበረት እታ ንእሽቶ ጓላ መዓልታዊ ህውከት ኣብ እትርእየሉ ገዛ ክትዓቢ ኣይደለየትን። ዩልያ ዋላ’ውን ብዙሕ ዝተፈላለየ ይኹን እምበር ኣብ ገዝኣ ንብዙሕ ግዜ በደል ይበጽሓ ከም ዘሎ ተረድአት።
ዩልያ ናብ ሓደ መዕቆቢ ደቂ ኣንስትዮ ከደት። ኣብኡ ድማ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበረቶ ዝሓሸ ውሕስነት ተሰምዓ። ካብታ ንመወዳእታ ግዜ ንግሆ ብድምጺ ኣዕዋፍ ካብ እትበራበር ኣትሒዛ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ኣይተሰምዓን።