Ladda ner PDF
Tillbaka till listan med berättelser

ናብ ኖርወይ ምምጻእ

Skriven av Aamiina

Illustrerad av Julie Cornelia van Walsum

Översatt av Seyum

Uppläst av Loza Asgedom

Språk tigrinska

Nivå Nivå 5

Läs hela berättelsen

Reading speed

Automatisk avspälning


ኣነን ክልተ ኣሕዋተይን ኣብ ታሕሳስ 2016 ናብ ኖርወይ መጺእና። ኣብ ኖርወይ ከምቲ ናይ ሶማልያ ሃሩር ኣየር እዩ ዝኸውን ኢልና ስለ ዝሓሰብና ናይ ሓጋይ ክዳን ተኸዲንና ነይርና። ይኹን እምበር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጻሕና በረድ ይዘንብ ነበረ። ቆሪርና እዩ ኔሩ ኩነታት ኣየር ውን ቁሪ እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ ሒደት ሻንጣታት ሒዝና እንተመጻእና ናይ ሓጋይ ክዳውንቲ ጥራይ ኢና ሒዝና መጺእና።


ዋላ እኳ ቁሪ እንተነበረ ናብ ኖርወይ ምምጻእና ኣዝየ ተሓጒሰ። ኣብ መወዳእታ ምስታ ንሽዱሽተ ዓመት ዘይረኣኹዋ ኣደይ ዳግማይ ተራኸብኩ። ኣደይ ምስ ክልተ መሓዙታ ኮይና ረኺባትና። ምስ ረኣናያ ብሓጎስ በኸና። ብመኪና ናብታ ኣደይ እትነብረላ ንእሽቶ ከተማ ኬድና።


ኣብታ አደይ ትነብረላ ከተማ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ኣዝዩ ንምልማዱ ዝኸብድ ነበረ። ቁሪን በረድን ስለ ዝነበረ ብዙሕ ዝርአ ነገር ኣይነበረን። እቲ ጎደናታት ምሉእ ብምሉእ ባዶ እዩ ነይሩ። እቶም ዝረኸብክዎም ውሑዳት ሰባት ዝሑላትን ናይ ምሕዝነት ባህሪ ዘይብሎምን ይመስሉ ነበሩ። ኣብ ሶማልያ ኣብ ኩሉ ቦታ ሰባት ስለ ዝነበሩ ኣብዚ ኩሉ ነገር ሓድሽ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣደይን መሓዙታን ገለ ህያባት ሂቦምና፤ ብድሕሪኡ ድማ ናይ ክረምቲ ክዳውንቲ ክንገዝእ ወሰደትና።


ድሕሪ ናይ ልደት በዓል ኣብ ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ኖርወይ ትምህርቲ ምውሳድ ጀመርኩ። ኣብ ልሙድ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማረይ ንኽልተ ዓመት ኣብኡ ተማሂረ። ሕጂ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት እየ ዘለኹ። ብዙሓት ሓደስቲ ኣዕሩኽ ድማ ረኺበ ኣለኹ። ኣዝየ ማሕበራዊ ሰብ እየ። ምስ ካልኦት ሰባት ምፍላጥ ድማ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ።


ድሕሪ ትምህርቲ ናብ ብዓርሰ ድሌት ዝካየድ ሓደ ማእከል እኸይድ እሞ ኣብኡ ድማ ዕዮ ገዛይ ኣብ ምስራሕ ሓገዝ ይረክብ። ኣብቲ ማእከል ናይ ስፌት ትምህርቲ እውን ይመሃር ኣለኹ።


ኣብ ሶማልያ ብዘይካ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ከይደ ወይ ዝኾነ ትምህርቲ ወሲደ ኣይፈልጥን። ምንባብን ምጽሓፍን ኣይፈልጥን ነይረ። ሕጂ ብቋንቋ ሶማልን ኖርወይን ከምኡ’ውን ካልእ ብዙሕ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ከም እትጽሕፍ ተማሂረ ኣለኹ። ብዘይ ትምህርቲ ሰብ ዘይኮንኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ሕጂ ግን ፈላጥን ሕጉስን ኮይኑ ይስምዓኒ።


ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ጥዕናን ልምዓት መንእሰያትን ክጅምር እየ። ኣብ መጻኢ ምስ መንእሰያት ክሰርሕ ይደሊ። ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ሕልመይ ቀዋሚ ስራሕ ምርካብ እዩ። ከምኡ ‘ውን መኪና ምዝዋር ክመሃርን ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክረክብን እደሊ።


ኣብ ሶማልያ እንተዝጸንሕ ነይረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣደ ምኾንኩ ነይረ ይመስለኒ። ምናልባት ብዙሓት ቆልዑ ምወለድኩ ነይረ። ኣብ ሶማልያ እንተዝኸውን ከምዚ ሕጂ ዝረኸብክዎ ዕድላት ኣይምረኸብኩን። ኣብ ኖርወይ ምንባረይ ዕድለኛ እየ።


Skriven av: Aamiina
Illustrerad av: Julie Cornelia van Walsum
Översatt av: Seyum
Uppläst av: Loza Asgedom
Språk: tigrinska
Nivå: Nivå 5
Creative Commons Licens
Detta verk är licensierat under en Creative Commons Erkännande 4.0 Internationell Licens.
Valmöjligheter
Tillbaka till listan med berättelser Ladda ner PDF