Ladda ner PDF
Tillbaka till listan med berättelser

ናይ ኣጎስቲኖ ታሪኽ

Skriven av LIDA Italia

Illustrerad av Billie Cejka Risnes

Översatt av Seyum

Uppläst av Loza Asgedom

Språk tigrinska

Nivå Nivå 5

Läs hela berättelsen

Reading speed

Automatisk avspälning


ኣጎስቲኖ ይበሃል ወዲ 51 ዓመት እየ። ስርሐይ ብብሽክለታ ምግቢ ምብጻሕ እዩ። ክልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ ኮይኑ ግን ብስሩ ኣይነዋግዕን ኢና። ኣነን ኣዲአንን ስለ ዝተፋታሕና ብሓባር ኣይንነብርን ኢና።


ድሕሪ እቲ ፍትሕ ክራይ ገዛ ክኸፍል ዓቕሚ ስለዘይብለይ ምስ ኣደይ እየ ዝነብር። ኣብዚ ከተማ ክራይ ገዛ ኣዝዩ ክቡር እዩ።


ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ትካል ከም ጽሬት ይዝሰርሕ ነይረ። ዝተበላሸወ ነገራት እጽግን፣ ሳንዱቅ ይሽከም ዝዀነ ሰብ ኣብ ዝደልየኒ እዋን ድማ ብምሕጋዝ ይሰርሕ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ እቲ ትካል ካብ ስራሕ ኣባረረኒ። ንምንታይ ከም ዝተባረርኩ ኣይተረድኣንን።


ብዙሓት ሰባት ብብሽክለታ ምግቢ ከብጽሑ ረኣኹ። ብሽክለታ ክዝውር ስለ ዝኽእል ማዕጾ ናይ ሓደ ዓቢ ምግቢ ኣብ ምብጻሕ ዝሰርሕ ትካል ኣንኳሕኳሕኩ። ንነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ሰለስተ ዩሮ ከም ዝኸፍሉኒ ነገሩኒ። ኣብ መዓልቲ 40€ እረክብ። ኣዝየ ዕድለኛ እንተኾይነን ዓማዊል መቅሹሽ እንተሂቦምኒን 60€ ይረክብ።


ኣብ በዓል ኣይኽፈለንን፣ ኣብ እዋን ሕማም ‘ውን ደሞዝ የለን፣ ኣብዚ ትካል ዳርጋ ፈጺሙ መሰል የለን። እዚ ትኽክል ኣይመስለንን፣ እቲ ስራሕ ግን የድልየኒ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ካልኦት ሰራሕተኛታት እዚ ትካል ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስደተኛታት እዮም።


ብዙሓት ኣብ ምብጻሕ ዝሰርሑ ሰባት መዓልታዊ ብሓደጋ ይጉድኡ እዮም። ሓደ ግዜ ሓደ ወዲ 25 ዓመት መብጽሒ ምግቢ ብመኪና ተገጭዩ ምስ ሞተ ሰበስልጣን ከስተብህሉና ጀመሩ። እዚ ከይኮነ ክመውት ምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ።


ምስ ካብ ካልኦት ትካላት ዝመጹ ኣብ ምግቢ ምብጻሕ ዝሰርሑ ሰባት ብምዃን ምስ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዛዕባ መሰል ሰራሕተኛታት ዝምልከት ትምህርቲ ወሲደ። ንሳቶም ድማ ብነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ይህቡና ነበሩ። ዝያዳ ኣፍልጦን መሰልን ንምርካብ ተቓሊስና።


ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኩሉ ጻዕርና ፍረ ረኸበ። ሓደ ዓብዪ ናይ ምብጻሕ ትካል ዓቢ መቕጻዕቲ ክኸፍልን ንሰራሕተኛታት ቀዋሚ ስራሕ ክህቦምን ነይርዎ። ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ንመጀመርታ ግዜ እዩ እዚ ኣጋጢሙ። ሕጂ ግን ነገራት ምምሕያሽ ዝጀመሩ ይመስል።


Skriven av: LIDA Italia
Illustrerad av: Billie Cejka Risnes
Översatt av: Seyum
Uppläst av: Loza Asgedom
Språk: tigrinska
Nivå: Nivå 5
Creative Commons Licens
Detta verk är licensierat under en Creative Commons Erkännande 4.0 Internationell Licens.
Valmöjligheter
Tillbaka till listan med berättelser Ladda ner PDF