“እወ ኣነን በዓል ቤተይን ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ኣለውና።”
「はい、私と夫には娘がふたり、息子がひとりいます」
“ክልተ ኣዋልድ’ውን ኣለዋኒ፤ ግን ተፋቲሐ እየ።”
「私にもふたりの娘がいますが、夫とは別れました」
“ሚና ጓል ኣርባዕተ ዓመት እያ። ኣብ መዋእለ ውጻናት እያ ትውዕል። ሚርየም ጓል ዓሰርተ ዓመት እያ። ስለዚ ኣብ ስሩዕ ቤት ትምህርቲ እያ ትመሃር።”
「ミナは4歳です。ようちえんに通っています。ミリアムは10歳で、学校に通っています」
“ኩሎም ደቀይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዮም ዝውዕሉ። ወደይ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክምረቕ’ዩ።”
「私の子どもたちはみんな学校に通っています。息子は来年、卒業します」
“እዚ ደስ ዝብል ነገር እዩ! ኣዝዮም ቀልጢፎም ይዓብዩ ኣለው። ብድሕሪኡ እንታይ ክገብር’ዩ ዝደሊ?”
「おめでとうございます!子どもたちの成長はとても早いですね。息子さんは卒業したあとに、何をしたいのですか?」
“ንሱ ስራሕ ክሰርሕ’ዩ ዝደሊ። ኣነ ግን ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ከም ዘለዎ እየ ዝነግሮ።”
「息子は働こうと考えていますが、私は息子に、大学に進学したほうがいいと伝えています」
“እዚ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ። ኣነ’ውን ደቀይ ሓደ መዓልቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸዱ’ውን ተስፋ እገብር።”
「いい考えですね。私も子どもたちには、いつか大学で学んでほしいと思っています」