ሚያ ክትርእዮ ዘለዋ ፊልም ትደሊ ኣላ። ምስታ ብልጽቲ ዓርካ ሊዛ ናብ ሲነማ ክትከይድ ትደሊ።
マイは観に行く映画を検索しています。親友のリサと一緒に、映画館に行きたいのです。
ሚያ ስኩተራ ሒዛ ናብ ሲነማ ትኸይድ። ኣብኡ ንኽራኸባ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
マイはスクーターに乗って映画館へ行きます。マイとリサは、映画館で会う事にしていました。
ኣብቲ ሲነማ ቤት ተራኺበን ሰላም ተበሃሂለን። እቲ ፊልም ንምርኣይ ተሃንጤን ኣለዋ።
映画館で、マイとリサはあいさつをかわします。二人は映画を観るのでワクワクしています。
ሚያ ንኽልቲአን ዝኸውን ትኬት ካብቲ መሸጢ ትኬት ገዚኣ።
マイは入場券売り場で二人分の入場券を買います。
ፋንዲሻ እውን በቲ ዓቢ መትሓዚ ትገዝእ።
大きなサイズのポップコーンも買います。
ሊዛ ነቲ ፋንዲሻ ክትሕዞ ከላ ሚያ ድማ ክልተ ጥርሙዝ ሶዳ ትገዝእ።
マイが2本の炭酸飲料を買う間、リサはポップコーンを持っています。
ነቲ ፊልም ንምርኣይ ቅድሚ ናብ ውሽጢ ምእታወን ትኬተን የርእያ።
映画を観る部屋の中に入る前に、二人は入場券を見せます。
ኮፍ መበሊ ቦተአን ይደልያ። እቲ ፊልም ተጀሚሩ ስለዘሎ መብራህቲ ጠፊኡ ኣሎ።
二人は自分たちの席を探します。映画はもう始まっていたので、室内は暗いです。
ናይ ፍቕሪ ፊልም እዩ። እቲ ዝፈትውኦ ዓይነት ፊልም እዩ።
映画は恋愛映画。二人が好きなジャンルです。
ድሕሪ እቲ ፊልም ቻው ተበሃሂለ ነናብ ገዝአን ይኸዳ።
映画を観た後、二人は「さよなら」と言って、家に帰ります。