ダウンロード(PDF)
物語のリストに戻る

ሓደጋ 事故

作者 Espen Stranger-Johannessen

絵 Aakanee

翻訳 Seyum

朗読 Loza Asgedom

言語 ティグリニャ語

レベル レベル 3

物語全体の朗読

読書速度

物語の自動再生


ካርሎስ ስኩተር ይዝውር። ብቕልጡፍ እዩ ዝዝውር።

カルロスはスクーターに乗っています。速く走らせています。


ኣብ መንገዲ ማይ ኣሎ። እቲ መንገዲ መንሸራተቲ እዩ።

道路に水たまりがあります。道路は滑りやすいです。


እቲ ስኩተር ካብ ቁጽጽር ወጽኢ ይኸውን እሞ ካርሎስ ይወድቕ።

スクーターの制御ができなくなり、転倒します。


ካርሎስ ኣዝዩ ተጎዲኡ ኣሎ።

カルロスは重傷です。


ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኣምቡላንስ ትድውል እሞ “ሓደጋ ኣጋጢሙ ኣሎ ቀልጢፍኩም ንዑ!” ትብል።

女性が救急車を呼びます。「事故がありました。すぐに来てください!」


ኣምቡላንስ ኣዝያ ቀልጢፋ መጺኣ።

救急車はすぐに来ます。


ክልተ ሰባት ንካርሎስ ኣብ ቃሬዛ ኣደቀስዎ።

2人の男性がカルロスを担架にのせます。


ንካርሎስ ናብታ ኣምቡላንስ ኣደይበምዎ።

カルロスを救急車へ運び込みます。


እታ ኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ትኸይድ።

救急車は病院へ向かいます。


ሓንቲ ነርስ ንካርሎስ ናብ ውሽጢ ሆስፒታል ትወስዶ።

看護師がカルロスを運んで病院に入ります。


እታ ነርስ ድማ ትሕክሞ።

看病してくれます。


ካርሎስ እግሩ ብጣዕሚ ስለ ዝተጎድአ ይጭነቕ ኣሎ።

カルロスは足がひどく痛むので、心配しています。


ክልተ ሓካይም እግሩ መጥባሕቲ ይገብሩሉ ኣለው።

二人の医者が足の手術をします。


ወለዱ ይበጽሕዎ እሞ። እቲ ሓደጋ ብኸመይ ከም ዘጋጠሞ ይሓቱዎ።

カルロスの両親がお見舞いに来ます。事故がどのようにして起きたか聞きます。


ብመኪና ናብ ገዝኡ ይመልስዎ። ሕጂ ካርሎስ ክራንች ይጥቀም ኣሎ።

カルロスを車で家に連れて帰ります。カルロスは松葉づえを使っています。


作者: Espen Stranger-Johannessen
絵: Aakanee
翻訳: Seyum
朗読: Loza Asgedom
言語: ティグリニャ語
レベル: レベル 3
クリエイティブ・コモンズのライセンス
この作品はクリエイティブ・コモンズ クリエイティブ・コモンズ 表示-非営利-継承 4.0 非移植 ライセンスの下に提供されています。
オプション
物語のリストに戻る ダウンロード(PDF)