ሰላማዊት ጓል 29 ዓመት እያ። ናይ መጀመርታ ውላዳ ኣብ ኤርትራ ወሊዳ። ንሳን ስድራኣን ኣብ ኤርትራ ተጸጊሞም ስለ ዝነበሩ ናብ ጣልያን ክኸዱ ወሰኑ።
ኢንጋ ቅድሚ 19 ዓመት ምምላኣ ካብ ገዛ ወጺኣ። ናብ ኖርወይ ምስከደት ኣብኡ ከኣ ናይ መጀመርታ ውላዳ ወሊዳ።
ሰላማዊት ካልኣይ ውላዳ ምስ ጠነሰት ኣብ ካልእ ሃገር ቆልዓ ምውላድ ከመይ ኮን ይኸውን እንዳበለት ትሓስብ ነበረት።
ሰላማዊትን ኢንጋን ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዩ ዘለውን። ሰላማዊት ኣብ ሕርሲ ተመኩሮ ስለ ዝነበራ ውሕስነት ተሰሚዕዋ ነይሩ። ኢንጋ ብዛዕባ ሕርሲ ምስ ኣዲኣ ኣዕለለት።
ክልቲአን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮፓ ነፍሰጾራት ናይ ቅድሚ ሕርሲ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለወን ሰሚዐን ነይረን። እዚ ማለት ኣብ እዋን ጥንሲ ሓገዝ ይረኽባ ማለት እዮ። ሰላማዊት ጥንስቲ ምዃና ምስ ተረድአት ሽዑ ንሽዑ ምስ ሓኪማ ቆጸራ ገበረት። በዓል ቤት ሰላማዊት ብመኪና ገይሩ ናብቲ ሓኪም ኣብጺሕዋ።
እቲ ሓኪም ሓደሓደ ምርመራታት ብምግባር ሰላማዊት ኣብ ሓደ ሓደ ነፍሰጾራት ክርከብ ዝኽእል ዓይነት ሕማም ሽኮር ከም ዘለዋ ፈለጠ። ንጥዕናኣ ዝስማማዕ ምግቢ ክትበልዕን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብርን ነይርዋ። ሰላማዊት ንሳን ውላዳን ከይሓመሙ ብኣግኡ ናብ ሓኪም ብምኻዳ ሕጉስቲ ነይራ።
ናይ ኢንጋ ጎረቤት ኢንጋ ቆልዓ ክትወልድ ትሓስብ ከምዘላ ምስ ተረድአትን ከምኡ’ውን ምስ ጠነሰትን ቀልጢፋ ናብ ሓኪም ክትከይድ ከምዘልዋ ነገረታ። በዚ መንገዲ ድማ ንሳን ውላዳን ጥዑያት ምዃኖም ክተረጋግጽ ክኢላ እያ። እቲ ሓኪም ከኣ ንነፍሰጾራት ኣገዳሲ ዝኾነ ፎሊክ ኣሲድ ዝትብሃለ ቫይታሚን ንኽትወስድ ነገራ።
ኢንጋን ሓኪማን ኣብ እዋን ጥንሲ ምስ መሕረሲት እንዳተራኸበት ቐጻሊ ምርመራ ንኽትገብር ተሰማሚዖም። እታ መሕረሲት ብዛዕባ ምግብን ዕረፍትን ከምኡ’ውን ንነብሳን ንውላዳን ብኸመይ መንገዲ ብውሑስን ጽቡቕን ክትሕዝ ከም እትኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ሂባታ።
ክልቲአን ደቂ ኣንስትዮ ጥዑያት ቆልዑ ክወላዳ ክኢለን እየን። ሰላማዊት ካልኣይ ውላዳ ወዲ ክትወልድ ከላ ኢንጋ ድማ ጓል ወሊዳ። ሰብኡተን ኣዝዮም ይሕበኑ ነበሩ። ብዛዕባ እተን ንፉዓት ኣንስቶምን ጥዑያት ደቆምን ድማ ንዅሎም ዝፈልጥዎም ይነግሩ ነበሩ።