Ladda ner PDF
Tillbaka till listan med berättelser

ናይ ማሊክ ታሪኽ

Skriven av LIDA Italia

Illustrerad av Vilius Aistis Vilimas

Översatt av Seyum

Uppläst av Loza Asgedom

Språk tigrinska

Nivå Nivå 4

Läs hela berättelsen

Reading speed

Automatisk avspälning


ማሊክ ይበሃል ወዲ 39 ዓመት እየ። ኣብ ኣፍጋኒስታን እየ ተወሊደ። ናተይ ሃይማኖት ካብቲ ዋና ሃይማኖት ኣፍጋኒስታን ዝተፈልየ እዩ።


ንብዙሕ ዓመታት ከም ናትይ ሃይማኖት ተኸተልቲ ሰባት ክስደዱ ጸኒሖም እዮም። እዚ ንስድራይ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ኔሩ።


ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኲናት ነይሩ። ከይቅተል ፈሪሐ። ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ስድራይ ገዲፈ ናብ ኣውሮፓ ከይደ።


ንብዙሕ ኪሎሜተራት ብእግረይ ተጓዒዘ። ሓድሓደ ግዜ ምግቢ ኣይረክብን ኔረ ዝሓድረሉ ቦታ ‘ውን ኣይነበረንን። ሓደሓደ ካብቶም ምሳይ ዝተጓዓዙ ሰባት ሞይቶም እዮም።


ኣብ መወዳእታ በጺሐ። ኣብኡ ደቂ ዓደይ ሰባት ረኺበ ሓገዝ ‘ውን ግይሮሙለይ። ብዘይ ብኣታቶም እንታይ ምገበርኩ ኔረ ኣይፈልጥን።


እቲ ቛንቋ ክመሃር ጀሚረ ግን ከቢድ እዩ። ስራሕ ንምርካብ ነቲ ቛንቋ ምዝራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ እየ።


ኣብ መጀመርታ ነቲ ቛንቋ ንምምሃር ንብዙሕ ዓመታት ኣጽኒዐ። ከቢድ እዩ ነይሩ ኮይኑ ግን ሓደሽቲ ነገራት ምምሃር ባህ ይብለኒ እዩ።


ምስ ተመሃርኩ ስራሕ ጀሚረ። መጀመርታ ኣብ ቤት ምግቢ ሰሪሐ። ድሕሪኡ ንኻልኦት ክሕግዝ ስለ ዝደሊ መምህር ኮይነ።


ሓደ መዓልቲ ናብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝምለስ ተስፋ እገብር። ኣብኡ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ሓገዝ የድልዮም እዩ። ኣነ ድማ ክሕግዞም ይደሊ እየ።


Skriven av: LIDA Italia
Illustrerad av: Vilius Aistis Vilimas
Översatt av: Seyum
Uppläst av: Loza Asgedom
Språk: tigrinska
Nivå: Nivå 4
Creative Commons Licens
Detta verk är licensierat under en Creative Commons Erkännande 4.0 Internationell Licens.
Valmöjligheter
Tillbaka till listan med berättelser Ladda ner PDF