ኤድሰን ኣብ ኣንጎላ እዩ ተወሊዱ፤ እታ ሃገር ናጻ ምስ ወጸት። ኣዝዩ ነዊሕ ወዲ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ቁመቱ ፍሉይ ኮይኑ ይርአ ነይሩ። እቶም ኣብ ኲናት ሓድሕድ ከም ወተሃደራት ኮይኖም ንኽዋግኡ ንህጻናት ኣጽዋር ዘትሕዙ ዝነበሩ ሰባት ከም ኤድሰን ዝኣመሰሉ ኣወዳት እዮም ዝደልዩ ነይሮም።
ኣዲኡ ከይወስድዎ ስለ ዝፈርሐት ምስ ኣብ ፖርቱጋል ትነብር ሓትንኡ ንኽነብር ክትሰዶ ወሰነት። ኣብ ፖርቱጋል ብሰላም ክነብር ይኽእል እዩ ኢላ ሓሰበት።
ኤድሰን ነቲ ውዑይ ኩነታት ኣየር፣ ባህላዊ ምግቢ ልዕሊ ኹሉ ድማ ሕቁፍን ምስዓምን ናይ ኣዲኡ ስለ ዝናፈቀ ኣብ መጀመርታ ኣዝዩ ከቢድዎ ነይሩ።
ቋንቋ ፖርቱጋል ጽቡቕ ጌሩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል ዝነበረ ትምህርቱ ንምክትታልን ምስ መማህርቱ ንምጽዋትን ኣዝዩ ይጽገም ነበረ። ናብ ፖርቱጋል ምምጸአይ ግን ጽቡቕ ሓሳብ ድዩ ኔሩ ኢሉ ይሓስብ።
ሓደ መዓልቲ ሓደ መምህሩ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዔት ክሳብ ክንደይ ንፉዕ ምዃኑ ኣስተብሃለ። ኣብ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ተጸንቢሩ ኣዝዩ ዕዉት ነበረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈላጢ ኮነ። ኣዕሩኽ እውን ፈጢሩ። ዝያዳ ዓርሰ እምነት እውን ገበረ።
ሕጂ ስለ ዝዓበየ፣ ኤድሰን ስደተኛታት ህጻናትን ካልኦት ካብ ሕብረተሰብ ናይ ምግላል ሓደጋ ዘለዎምን የሰልጥን። ሓደ እዋን ቁመቱ ኣብ ወተሃደር ናይ ምዃን ሓደጋ ኣእተዎ ኔሩ’ዩ። ሕጂ ግን ቁመቱ ንኻልኦት ውሕስነት ክስምዖም ንምሕጋዝ ጥንካረ ኮይኑዎ ኣሎ።