ኣሊሻ ስድራኣ ንምግብን ክዳውንትን ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘድልዮም ስራሕ ክትረክብ ኣለዋ።
アリーシャは、家族の食費や衣類のためのお金が必要なので、仕事を探さなければなりません。
ኣሊሻ ኣብ ዓዳ ከላ ኣይትሰርሕን እያ ነይራ ኣብ ምግቢ ምብሳል ግን ንፍዕቲ እያ ምስ ሰባት ምዝርራብ ድማ ትፈቱ።
アリーシャは母国では働いていませんでしたが、料理も得意ですし、人と話すことが好きです。
ምናልባት ኣብ ቤት ምግቢ ክትሰርሕ ትኽእል ዶ ትኸውን? ኣሊሻ ኣብ ኢንተርኔት ስራሕ ትደሊ ኣላ።
レストランで働くのはどうでしょう?アリーシャはインターネットで求人を検索します。
ሓደ ናይ ሼፍ ዝደልዩ መፋለጢ ትረክብ። ኣብ ቤት-ምግቢ ዝሰርሕ ሰብ እዮም ዝደልዩ።
シェフの求人を見つけました。レストランで調理をする仕事です。
ንቃለ መሕትት ስራሕ ትኸይድ እሞ። እቲ ሓላፊ ቤት ምግቢ ድማ ከም ሼፍ ዝሰልጠነ ሰብ ከም ዘድልዮም ይነግራ።
アリーシャは面接に行きました。レストランのマネージャーが、シェフとしてのトレーニングを受けた人を探しているとアリーシャに言いました。
ኣሊሻ ተናዲዳ ኮይኑ ግን “ምግብን ኣጋይሽ ምቕባልን” ዝብል ትምህርቲ ትወስድ። እዚ ድማ ኣብ ቤት ምግቢ ስራሕ ክትረክብ ክሕግዛ ተስፋ ኣለዋ።
アリーシャはがっかりしましたが、“食とおもてなし”という講座を受けることにしました。これがレストランでの仕事を得るのに役立つこと願っています。
ኣሊሻ ከም ኣካል ናይቲ እትወስዶ ስልጠና ኣብ ቤት ምግቢ ክትሰርሕ ኣለዋ። ደሞዝ ኣይትኽፈልን እያ ይኹን እምበር ተመኩሮ ስራሕ ትረክብ።
アリーシャは研修の一環でレストランで働く必要があります。お金はもらえませんが、レストランで働いたという経験を得られます。
ዝርዝር ናይቲ ትምህርቲ ኣብ ሲቪኣ ፅሒፋቶ።ሲቪ ማለት ንኹሉ ዝሰርሓቶ ስራሕን ኩሉ ዝወሰደቶ ዓይነት ትምህርትን ዝገልጽ እዩ።
アリーシャは履歴書に講座の詳細を書き加えます。履歴書は、アリーシャがこれまで経験したすべての仕事と受けたすべての講座をしるしたものです。
ኣብ ዝቕጽል ግዜ ኣሊሻ ኣብ ሓደ ቤት ምግቢ ቃለ መሕትት ስራሕ ክትገብር ምስ ከደት ስራሕ ረኺባ። ከቢድ ስራሕ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምሸት ደቃ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኦም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ‘ውን ክትሰርሕ ኣለዋ።
次にアリーシャがレストランに面接に行くと、仕事をオファーされました。きつい仕事です。子供達が学校から帰ってくる夕方の時間に、働くこともよくあります。
ኣሊሻ ስራሕ ስለ ዝረኸበት ብባዕላ ትሕበን ስለዚ ድማ ብናይ ባዕላ ገንዘብ ንስድራቤታ ምግብን ክዳንን ክትገዝእ ትኽእል ።
アリーシャは仕事を得たことで、家族の食べ物や洋服を買うことができることをうれしく思っています。